ኣብ ቪክቶሪያ ውሽጢ ገበን ወንጀል ንዝበጽሆም ኣገልግሎታት (Services for victims of crime in Victoria - Tigrinya)

ናይ ቪክቶሪያ መንግሥቲ ገበን ወንጀል ንዝበጽሆም ብናይ ሓገዝ መስመር ኣቢሉ ንኣኻን ንዝድራቤትካ ብዘይክፍሊት ብናጻ መረዳእታ፤ ምኽሪን ደገፍ ይዳለው እዩ።

ገበን ወንጀል ንዝበጽሆም ሓገዝ መስመር

ክፍቲ ዝኾኖ: ካብ ንጉሆ ሰዓት 8am ክሳብ ምሽት 11pm፤ ኣብ ሰሙን 7 መዓልታት
ንምድዋል: 1800 819 817
ብተክስት ንምልኣኽ: 0427 767 891
ኢሜል: vsa@justice.vic.gov.au

ብናይ ሓገዝ መስመር ምድዋል፤ ተክስት መልእኽቲ ወይኻዓ ኢሜል ዝግበሮ:

  • ብኸመይ ነቲ ገበን ንፖሊስ ሪፖርቲ ምግባር ከምዝኻኣል ንምፍላጥ
  • ክሕግዘካ ንዝኽእል ካልእ ኣገልግሎታት ንምርካብ
  • ብኸመይ ናይ ቪክቶሪያ ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ከምዝሰርሕ መረዳእታ ንምርካብ
  • ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪብካ ምስክርነት ንምሃብ እንተደሊኻ ሓገዝ ንምርካብ
  • ዝፍቐደልካ እንተኾይኑ - ንካሕሳ መደጐሚ ክፍሊትን ንገንዘባዊ ደገፍ ንክተምልክት ሓገዝ ንምርካብ
  • ናትኻን ስድራቤትካ ድሕንነት ንምህላዉ እንታይ ክትገብር ከምትኽ እል ንምፍላጥ እዩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ሓደጋ ውሽጢ እንተኾይንካ፤ ንፖሊስ ብሰለስተ ዜሮ (000) ጌርካ ምድዋል ወይኻዓ ናብ ፖሊስ ጣቢያ ምኻድ ትኽእል።

ንሰባት ብዝተፈላለዩ ኵነታት ንሕግዝ ኢና

በብዓመት ብሺሓት ንዝቑጸሩ ዝተፈላለየ ዕድመ፤ ጾታታት ንዘለዎምን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ንዝመጹ ሰባት እሞ ገበናዊ ወንጀል እንተበጺሑ ንሕግዝ ኢና።

ነቲ ወንጀል ንፖሊስ ሪፖርቲ ንምግባር እንተዘይደሊኻ እውን ክንሕግዝ ንኽእል

ብዛዕባ ወንጀል ንፖሊስ ምዝራብ ጽቡቕ ምክንያታት ከምዘሃለዉ እዩ። ንናትኻ ሪፖርቲ ብከቢድ ጌርካ ብምውሳድ እሞ ነቲ ገበን ንዝፈጸሞ ሰብ ንምርካብ ይፍትኑ እዮም። ከምኡ’ውን ንኣኻ ምክልኻል ይኽእሉ።

ነቲ ሪፖርቲ ንምሃብ ድልው እንተዘይኾይንካ፤ ወይኻዓ ምስ ፖሊስ ንምዝርራብ ዘይትደሊ እንተኾይንካ ናይ ሓገዝ መስመር:

  • ንኣኻ ኣዘራሪቡ ንዘለካ ኵነታት ይርዳእ
  • ክሕግዙኻ ንዝኽእሉኣ ኣገልግሎታት ምድላይ፤ ዋላ እዃዕ ነቲ ወንጀል ሪፖርቲ ምግባር እንተዘይደሊኻ
  • እንተደሊኻ ንፖሊስ ክተዘራርብ ይሕግዝ እዩ።

ኣስተርጓማይ ምጥቓም ትኽእል

ኣስተርጓማይ እንተደሊኻ፤ ንሓገዝ መስመር ብዘይክፍሊት ብናጻ ኣስተርጓማይ የዳልወልካ እዩ። ከምኡ’ድማ ምእንታን ኣስተርጓማይ ንክትረኽብ ንዝኾነ ሰብ ናብ ሓገዝ መስመር ንክድውለልካ ምሕታት ትኽእል።

ኣስተርጓማይ ንምርካብ:

  1. ንሓገዝ መስመር ብስልኪ 1800 819 817 ምድዋል
  2. ናትኻ ስም፤ ስልኪ ቁፅሪን ቋንቋ ንገሮም
  3. ኣስተርጓማይ መሊሱ ይድውለልካ እዩ።

ኣስተርጓማይ ኣብዝድውለሉ ግዘ፤ ኣብቲ ሞባይ ስልክ ዝርኣይ 'ናይ ግሊ ቁፅሪ' ('private number')፤ 'ዝተኣጸወ' ('blocked') ወይኻዓ 'ንዝደወለ መለለዩ ID ዘይብሉ' ('no caller ID') ክኸውን ይኽእል።

Services for victims of crime in Victoria - information in Tigrinya (ትግርኛ)
PDF 111.79 KB
(opens in a new window)

Updated